+++ብከመይ ወዲቅና ብከመይ ከ ተንሲእና፧+++
ተለጢፉ፡ ብዕለት 27.06.2025
ኦሪት ዘፍጥረት ናይ ወዲ ሰብ ውድቀት ክዛረብ ከሎ፣ ተመንን ሄዋንን ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ፣ብናይ ተመን ምኽሪ ወዲ ሰብ ብከመይ ካብ ገነት ከም ዝተባረረን ጸግኡ ከም ዝተገፈን የረደኣና ። እዚ ናይ ሄዋንን፣ ተመንን ቃለ ምልልስ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተነዉጽኦ ወይ ኦሪት ዘፍጥረት ናይ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ምብራሮም ጥራይ ዝዛረብ እንተ ዝኸዉን ኔሩ፣ እንታይ በዲሎም እዮም ዝተባረሩ፧ምበልና ኔርና ።
ፍቱወይ! ናይ ተመንን ሄዋንን ቃለ ምልልስ ምስማዕ ከይከኣለ ናይ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ናይ ምብራር ታሪኽ ንምርዳእ ዝኽእል ከም ዘይለ ኩሉ፣ ናይ እመቤትና ማርያምን ናይ ቅዱስ ገብርኤልን ቃለ ምምልልስ ከየንበበ፣ ወዲ ሰብ ናብ ገነት ምእታዉን ናይ ምድሓን ታሪኽ ንምርዳእ ዝኽእል ማንም ሰብ የለን ።
ቅዱስ ጳዉሎስ ብናይ ኣዳምን ፣ክርስቶስን ተምሳልነት (Christ -Adam anlogy)ጌሩ ጽሒፉ ፣ንክርስቶስ “ዳግማዊ ኣዳም”ኢሉ ጸዊዕዎ ። (1ይ ቆሮ 15 ፣45)ናይ ወዲ ሰብ ተፈጥሮ ታሪኽ ዝጀመረ ካብ ኣዳም ታሪኽ ከም ዝነበረ ፣ ናይ ወዲ ሰብ ሓድሽ ናይ ተፈጥሮ ታሪኽ ዝጀመረ ዳግም ፍጥረት (Recaputlation)ኣብ ዝተፈጠርናላ ኣብ ቀራንዮ እዩ።
እዚ ንጽጽር ብዳሕራይ ዘመን ዝተንስኡ ከም በዓል ሰማእት ዮስጦስን ከም በዓል ያእቆብ ዘስሩግ ዝኣመሰሉ ሊቃዉንት ናይ ማርያምን ሄዋንን ተምሳልነት (Mary eve anlogy )ንኸማሳጥሩ መበገሲ ኮይንዎም እዩ ።ዘነጻጸርዎ ሄዋን ምስ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጥራይ ዘይኮነ “ከመይ ኢልና ወዲቅና ከመይ ኢላና ኸ ተንሲእና”ዝብል እዩ።
ሄዋን ንምዉዳቅና መበግሲ (ምኽንያት) ነበረት ፣ኣዴና ቅድስቲ ማርያም ከኣ ንትንሳኤና(ድሕነትና) ምኽንያት ኮነት ።ንሔዋን ሰይጣን ኣብ ተመን ተሰዊሩ ኣዛራሪብዋ። ንኣዴና ቅድስቲ ማርያም ግና እግዚብሔር ብ ቅዱስ ገብርኤል ጌሩ ኣዛራሪብዋ።ሄዋን ናይ ተመን (ድያብሎስ )ቃል ሰሚዓ ካብ ገነት ተባሪራ ፣ኣዴና ድንግል ማርያም ግና ናይ ቅዱስ ገብረኤል ሰላምታ ሰሚዓ ናብ ገነት መለስተና።
ናይ ተመንን ሄዋንን ቃል ምልልስ ብትካዜ ኢና ነንብቦ።ናይ ድንግል ማርያምን ቅዱስ ገብርኤልን ቃለ ምምልስ ግና ብሓጎስ ንጽልዮ። እዚ ቃለ ምምልልስ ንዓና ናብ ሂወት ዝመለሰና እዩ። ጓል 15 ዓመት ጎርዞ ኣዴና ማርያም ንኩሎም ምድራዉያን ወኪላ ምስ ሰመያዊ መልእኽተንኛ ተዛራሪባ ዕርቃንና ዝነበርና ኣልቢሳትና። ካብ ድኻታት ስድራ ቤት ዝተወልደት ጎርዞ ን ናይ መላእክቲ ሓለቃ ብሕቶ ኣጨኒቃ መርሚራ ካብ ጭንቀትና ኣገላጊላትና።
ሔዋን ናይ ተመን ምኽሪ ከይመርመረት ተቀቢላ።ድንግል ማርያም ግና ናይ ቅዱስ ገብርኤል ብስራት መርሚራ። ንሔዋን ዲያብሎስ “እግዚብሔር ከምኡ ኣምላኽ ከይትኾኑ ኢሉ እዩ ከልኪልኩም”ኢሉ ካብ ፈጣሪ ፈለያ።ሔዋን ንኹሉ ምፍላጥ ምስ ሰብእያ ተሃወኸት። ድንግል ማርያም ግና ኩሉ ክፈልጥ ኣይበለትን። ሰብኣይ ስለ ዘይፈልጥ እዚ ከመይ ኢሉ ክኸዉን ይኽእል ፧ኢላ ሓተተት። ሔዋን ኣምላኽ ንሙኻን ተታሊላ ።ትሕትና ዝመለኣ ድንግል ግና “እንሆ ኣነ ባርያ ናይ እግዚኣብሔር እየ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነኒ ኢላ ተቀበለቶ።
እዛ ድንግል ንገብርኤል ሰሚዓ ናይ ሂወት ዕጸ ኣብላዓትና፣እዛ ድንግል ይኹነለይ ብምባላ ንዝተጠመቅና ኩልና ንክርስቶስ ኣልበሰትና። ብናቱ ይኹነለይ ምባል ኪሩብ ሴፉ ደርበየ። ካብ ምሕላዉ ከኣ ተጋላጊሉ። ንሕና ኸኣ ካብ ዕጸ ሂወት ክንበልዕ ተዓዲልና።
ብዙሕ ሰብ “ሔዋን ናይ ምዉዳቅና ምኽንያት እያ ”ክበሃል ከሎ ይሳማማዕ እዩ። ድንግል ማርያም ናይ ድሕነትና ምኽንያት እያ ክንብል ከለና ሓደ ሓደ ሰባት ንምቅባል ይሽገሩ ።ሔዋን ካብ ዉድቀትና ካብ ዝገበረቶ ንላዕሊ ድንግል ማርያም ንትንሳኤና ዝገበረቶ ይበልጽ!
ናይ ድሕነትና መጀመርያ ንዝኾነት ነዛ ድንግል ክብራ ኣብ ሕልናና ንስኣሎ ። እሳታዊ መልኣኽ ቆይሙ ዝዘመረላ ድንግል፣ ኣቦኣ ዳዊት ኣብ ርሑቅ ኮይኑ እንዳራኣያ “ጓለይ ስምዒ ኣእዛንኪ ዉን ጽለዊ”እንዳበለ ናይ ገብርኤል ቃል ክትሰምዕ ካብ ሲኦል ንኸተዉጽኦ ዝተማህጸና ድንግል፣ ሓዋ ሰሎሙን ዉን “ሓፍተይ መርዓተይ ኩሉንትናኺ ጽብቅቲ ኢኺ ነዉሪ ዉን የብልክን ” እንዳ በለ ዝቀረበላ <ዝተባረኽኪ እኺ> ዝብል ምስጋና ንኽትቅበል ንዝዘመረላ ፣ብኣእዳዋ ወርቅን ሃርን ፣ብ ማህጸና ሰብን ኣምላኽን ፣ብምዉላዳ ሰብን መላእክትን፣ ኣሳማሚዓ ዝፈተለትን ዝወሃደትን ነዛ ድንግል እስኪ ንቅሩብ ግዜ ንዘክራ። ናይ ባቢሎን ሸዉዓተ ዕጽፊ ዝነደደ ሓዊ ዘዝሓሎ ገብርኤል ኣብ ቅድሚኣ ብትሕትናን ኣኽብሮትን ዝቆመላ ፣ ንዘካርያስ ጸማም ክትከዉን ኢኻ ብዝበለሉ ልሳኑ “ ንስኺ ዝተባረኽኪ ኢኺ ” እንዳበለ ዘጻናንዓ ጓል 15 ዓመት ጉርዞ እስከ ንዘክራ! ኣርምኡ ሒዙ ከም ዝተሰለፈ ሰራዊት እተፍርሕ እዚኣ መን እያ፧
ሽማግለ ኣቦኣ ቆጽሊ ካብ ዝለበሰላ ገረብ ኣዉጺኣ ፣ንወዳ ሽምዓ ጌራ ዘልበሰት ፣ነዲኣ ሔዋን ዝጎድእ መእሰሪኣ ፈቲሓ ቁስላ ዘሕወየት ናይ ሔዋን መድሐኒት ዝኾነት እዛ ድንግል መን እያ ፧ናታ ክብሪ ብኣይ ብናይ ሓጥያተኛ ብርዒ ከመይ ኢለ ጽሒፈ ክዉድኦ ፧ቅዱስ ያእቆብ ዘሰሩግ ዝበሎ ኢለ ክዓጽዎ ይሕሸኒ ።
“ናይ ድንግል ማርያም ክብሪ ካብ ምግላጽ ንጸሓይ ምስ ብርሃና ምስ ሙቆታን ምስኣል ይቀልል”
ጸሓፊ፡ ዲያቆን ሄኖክ ሃይለ
ትርጉም፡ ኣቤል ጎይትኦም